9 ሕማም ለምፂ ቘርበት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናብ ካህን የምፅእዎ።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥
ሰብ ኣብ ቈርበቱ ሕበጥ ወይ ሽሕር ወይ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሕማም ለምፂ ከዓ እንተ ኾነ፥ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምፅእዎ።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት ሰፊሑ እንተ ፀንሐ፥ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ፤ ሽዑ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።