Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 13:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን መሊሱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሊ እንተ ፋሕሸወ፥ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ቝስሊ ሽሕር እዩ እሞ፥ እቲ ኻህን ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ እቲ ቝሱል ከዓ ኽዳውንቱ ሓፂቡ ይንፃህ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 13:6
23 Referencias Cruzadas  

ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥


ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍትሒ ግበረሎም።


ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።


“ልበይ ፅሩይ እዩ፤ ካብ ሓጢኣተይ ከዓ ነፂሐ እየ” ኽብል ዝኽእል መን እዩ?


ሰናይ እናገበረ፥ ብዘይ ሓጢኣት ዝነብር ፃድቕ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይርከብን።


ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን፤ ብሓቂ ፍትሒ ኸውፅእ እዩ።


ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።


ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።


ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎ እውን ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።


ሰብ ኣብ ቈርበቱ ሕበጥ ወይ ሽሕር ወይ ዙዕታ እንተ ወፆ፥ ሕማም ለምፂ ከዓ እንተ ኾነ፥ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምፅእዎ።


ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ድማ እቲ ቝስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተ ፀንሐ፥ ኣብቲ ቘርበቱውን እንተ ዘይሰፊሑ፥ እቲ ኻህን መሊሱ ንሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።


ግና እቲ ኻህን “ንፁህ እዩ” ኢሉ ምስ ነገረሉ እቲ ሽሕር ኣብ ቈርበቱ እንተ ሰፍሐ፥ ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ካህን ይመርመር።


እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ።


ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሰብ ተቐበልዎ፤ ኣብ ሓሳቡውን ኣይትፍረዱ።


እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።


ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ እሙናት ኮይኖም ኣይተረኽቡን፤ ረኺሶም እዮም እሞ ደጊም ደቁ ኣይኮኑን፤ ንሳቶምስ ከዳዓትን ቀይናናትን ትውልዲ እዮም።


ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።


እዙይ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዝመፅእ ዝግበር፥ ናይ ብልዕን መስተን፥ ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ፥ ናይ ምንፃህ ኣፍኣዊ ስርዓት ጥራሕ እዩ ነይሩ።


ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos