16 እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ ዝመስል ዝነበረ ናብ ፃዕዳ እንተ ተለወጠ ግና፥ ናብ ካህን ይምፃእ።
እቲ ኻህን ቈርበቱ ቐይሕ ስጋ ምምሳሉ ምስ ረአየ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር። እቲ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ እንተ መሲሉ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ፤ ንሱ ሕማም ለምፂ እዩ።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ቝስሉ እንተ ፃዕደወ፥ ሽዑ እቲ ኻህን፥ እቲ ቝሱል ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ንሱ ንፁህ እዩ።
ኢየሱስ ካብተን ከተማታት ኣብ ሓዲአን እንተሎ፥ እንሆ ዅሉ ሰብነቱ ለምፂ ዝሓዞ፥ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ መፀ፤ ንኢየሱስ ምስ ረአዮ ድማ፥ ብግምባሩ ተደፊኡ፥ “ኦ ጐይታ! እንተ ፈቒድካስ ክተንፅሀኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ።