12 እቲ ሕማም ለምፂ እናሰፍሐ እንተ ኸደ፥ ነቲ ቝሱል እቲ ኻህን ክሪኦ ኽሳዕ ዝኽእል ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፥
ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማም ልቡ ተፈሊጥዎ ብፀሎትን ብምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥
“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤ እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ? ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።
ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ።
ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ ንብዘሎ ሰብነቱ ሕማም ቈርበት እንተ ኸደኖ፥ ሽዑ እቲ ቝሱል ከም ዝነፅሀ እቲ ኻህን ይንገር። ኵሉ ሰብነቱ ፃዕድዩ እዩ እሞ ንሱ ንፁህ እዩ።
ሕጊ፥ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና፥ ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ ስጋዊ ሰብ እየ።