11 ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥
እቲ ሕማም ለምፂ እናሰፍሐ እንተ ኸደ፥ ነቲ ቝሱል እቲ ኻህን ክሪኦ ኽሳዕ ዝኽእል ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንኹሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፥
እቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ዙዕታ እንተ ፃዕደወ፥ ካብቲ ቘርበቱ ኸዓ ዓሚቑ እንተ ዘይተርኣየ፥ ፀጕሩ እውን እንተ ዘይፃዕደወ፥ እቲ ኻህን ነቲ ቝሱል ሸውዓተ መዓልቲ ንበይኑ ይዕፀዎ።