10 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ቈርበቱ ፃዕዳ ሕበጥ እንተ ሃልዩዎ፥ ነቲ ፀጕሪ ኸዓ እንተ ኣፃዕደዎ፥ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ቘርበቱ ቐይሕ ስጋ መሲሉ እንተ ፀንሐ፥
እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ።
ተግሳፅ ዝፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፤ ተግሳፅ ዝፀልእ ግና ዓሻ እዩ።
ንሱ ነባር ሕማም ለምፂ እዩ፤ ዝረኸሰ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ቀደሙውን ረኺሱ እዩሞ ኣይዕፀዎ።
ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተ ሃልይዎ እሞ ኣብቲ ቘርበቱ ዝተልሓሰ ንዳድ ሓዊ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ወይ ፃዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ወፆ፥
ሕማም ለምፂ ቘርበት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ናብ ካህን የምፅእዎ።
ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ።
ዓለም ንኣኻትኩም ክፀልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና፥ ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይፀልአኒ እዩ።