8 ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።
እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ።
ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ሓጢኣታ ድማ የስተስርየላ፤ ንሳ እውን ካብ ምፍሳስ ደማ ኽትነፅህ እያ። እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት ሰበይቲ እትነፅሀሉ ስርዓት እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
እቲ ዝነፅህ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኢዱውን ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዘ ዝውፍዮ፥ ክንዲ በደል ዝስዋእ ሓደ ጡበት በጊዕ የምፅእ። ንቝርባን እኽሊ ዝኸውን ከዓ ሓደ ኺሎ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ።
እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ።
ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።