Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 12:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 12:6
15 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ “ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ዓርሕን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን፥ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ማጕላ በጊዕን ኣምፅአለይ፤ ባሪቶን ርግብንውን ኣምፅአለይ” በሎ።


ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፥ ወዲ ኸዓ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ናይ ወርሒ ፅገኣ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰት ትኸውን።


ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ።


ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ሓጢኣታ ድማ የስተስርየላ፤ ንሳ እውን ካብ ምፍሳስ ደማ ኽትነፅህ እያ። እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት ሰበይቲ እትነፅሀሉ ስርዓት እዙይ እዩ።


ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ።


ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ።


ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ።


ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ።


ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።


ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።


ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።


ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos