5 ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፥ ወዲ ኸዓ እንተ ወለደት፥ ከምቲ ናይ ወርሒ ፅገኣ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰት ትኸውን።
ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።
ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ።