4 ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።
ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።
ጓል እንተ ወለደት ግና፥ ከምቲ ብእዋን ፅገኣ ንኽልተ ሰሙን ርኽስቲ ትኹን፤ ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ኸዓ ስሳን ሽዱሽተን መዓልቲ ትፅናሕ።
ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።