3 ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ህፃን ስጋ ቝልፈቱ ይገረዝ።
ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕኻን ድማ ኸምኡ ግበር። ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ሃበኒ።
ካብ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ እትነፅህ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትፅናሕ። መዓልቲታት ምንፅሃ ኽሳዕ ዝውዳእ ቅዱስ ነገር ኣይትንካእ፤ ናብ መቕደስ እውን ኣይትእቶ።
እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ መፁ፤ ብስም ኣቦኡውን “ዘካርያስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።
ካብ ይሁዳ ናብ ኣንፆኪያ ናይ ሶርያ ዝኸዱ ሰባት ድማ፥ ነቶም ኣሕዋት ከም “ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገሪዝኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
እንሆ እምበኣር፥ ኵሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፥ ኵሉ ዓለምውን፥ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ፥ ንፈልጥ ኢና።
እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፥ ሕጊ መፀ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ፥ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ቀደም ዘፅንዖ ኺዳን፥ ኣየፍርሶን እዩ።
ኵሉ እቲ ዝግረዝ ሰብ ከዓ፥ ነቲ ሕጊ ብምሉኡ ኽፍፅሞ ግቡኡ ኸም ዝኾነ፥ ደጊመ እምስክር ኣለኹ።
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።
ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤
ንስኻትኩም ድማ፥ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ፥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት፥ ብእኡ ተገረዝኩም።