9 ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ።
ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።
እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ።
ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኴንካ፥ እታ ብፍቕሪ እትሰርሕ እምነት እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ሓደ ሰብ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፤ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ፥ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።