4 ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦
ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ።
ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።
ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” በለ።