Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 11:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 11:3
17 Referencias Cruzadas  

ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፤ ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ።


ብህይወት ክትነብሩስ ስንፍና ሕደጉ፤ ብመንገዲ ምስትውዓል ድማ ተመላለሱ።


ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦


ኵሉ እንስሳ ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈፂሙ ዘይተሰንጠቐን ዘየመዅስዕን፥ ንኣኻትኩም ዝረኸሰ ይኹን፤ ኵሉ ዝነኽኦውን ዝረኸሰ ይኸውን።


ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።


ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።


ማንቲለ ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።


ሓሰማ ሸዀናኣ ስንጡቕ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ።


እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።


“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።


ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ፥ ዘመዅስዕ ኵሉ እንስሳ ብልዑ።


ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ።


እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos