10 ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።
እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ።
ምስ ለባም ዝመላለስ ለባም ይኸውን፤ ምስ ዓያሹ ዝተዓራረኽ ግና መከራ ይቕበል።
ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፃድቃን ፍንፉን እዩ፤ እቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝመላለስ ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣተኛታት ፅሉእ እዩ።
ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ።
ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ።
ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም።
ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፤ እዙይ ርኹስ ይኹንኩም።
“ርኹስ ዝኾነ ኣይትብልዑ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።