1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።
ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ።
ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
እምበኣርከስ ኣብ መንጎ ንፁሃትን ርኹሳትን እንስሳት፥ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንፁሃትን ኣዕዋፍ ፍለዩ። በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈለኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፥ ርእስኹም ኣይተርክሱ።
ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” በለ።
እትበልዕዎም እንስሳት እዚኣቶም እዮም፦ ብዕራይ፥ በጊዕ፥ ጤል፥
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ፥ ልብኹም ብፀጋ እንተ ፀንዐ ሰናይ እዩ እሞ።