6 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል “ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ዝኾንኩም ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ንቕፅበት ዓይኒ ምሳኻትኩም እንተ ዝኸይድ፥ ምወዳእኹኹም ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ንኣኻትኩም እንታይ ከም ዝገብረኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ሽልማትኩም ካባኻትኩም ኣወግዱ” ኢልዎም ነበረሞ።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
“እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘቘጠዖ ትውልዲ፥ ደርቢይዎን ኣወጊድዎን እዩ እሞ፥ ኢየሩሳሌም፥ ፀጕሪ ርእስኺ ቘሪፅኪ ደርብዪ፤ ኣብ በረኽቲ ደዪብኪውን፥ ዋይ ዋይ እናበልኪ ብኸዪ።
እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ ሰብ ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፤ ርእሱ ኸዓ ይቀላዕ፤ ከንፈሩ እውን ይኽደን፤ “ዝረኸስኩ እየ፤ ዝረኸስኩ እየ” እናበለ ኸዓ ዓው ኢሉ ይናገር።
እቶም እትሕጐስሎም ደቅኺ፥ ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፥ ፀጕርኺ ንፀዪ፤ ርእስኺውን ላፅዪ፤ ነቲ ነዃዕኪ ድማ ኸም ናይ ንስሪ ኣግፍሒዮ።
ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”
ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ፥ ብጓሂ ኽዳውንቶም ቀደዱ።
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
“ቍጥዓይ ተመሊሱ ናብ ህዝቢ እስራኤል ከይመፅእ ንስኻትኩም ኣብ መቕደስን ኣብ መሰውእን ሓለፍቲ ዄንኩም ኣገልግሉ።
ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም።
እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ርእሳ ይቕልዓያ፤ ነቲ በደል ዘዘክር መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ እኽሊ፥ ኣብ ኢዳ የትሕዛ፤ ነቲ መርገም ዘምፅእ መሪር ማይ ከዓ ኣብ ኢዱ ይሓዞ።
ብዛዕባ ኣቦኦምን እኖኦምን ኣይረአናን ዝበሉ፥ ነሕዋቶምውን ዘየስተውዓሉ፥ ንደቆም ድማ ዘይፈለጥዎም፥ ቃልካ ሓሊዮም እዮም፤ ኪዳንካውን ኣፅኒዖም ሓዙ።
ሕዝኸ ኻብ እግዚኣብሄር ዲኹም ትርሕቑ ዘለኹም? ሎሚ ንእግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኸዲዕኹምዎ፥ ፅባሕ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክቝጥዖ እዩ።
ኣካን ወዲ ዛራ ካብቲ ዝተሓረመ ብምውሳዱ በደለ፤ መዓት ከዓ ኣብ ምሉእ ህዝቢ እስራኤል ደኣ ወረደ እምበር፥ በቲ በደሉ ንሱ በይኑ ጥራሕ ኣይሞተን።
ደቂ እስራኤል ግና በቲ ዝተሓረመ ነገር በደሉ። ኣካን፥ ወዲ ከርሚ፥ ወዲ ዘንበሪ፥ ወዲ ዛራ፥ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰደ እሞ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ነደደ።
ህዝቢ እስራኤል ሓጢኣት ገይሮም ኣለዉ። ነቲ ኣይትግበርዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎም ብምጥሓስ፥ ኪዳነይ ኣፍሪሶም ኣለዉ። ካብቲ ዝተሓረመ ነገር ወሰዱ፤ ሰረቑ፤ ሓሰዉ፤ ምስ ኣቑሑቶምውን ኣንበርዎ።