5 ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም።
ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
ነቲ ኣልባስ ወሲድካ ድማ፥ ንኣሮን ቀሚሽ ውሽጥን ናይ ኤፉድ ቀሚሽ ላዕልን፥ ኤፉድን ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት ዝተኣልመ ቕናት ኤፉድ ጌርካ ኸዓ ኣዕጥቆ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም።