Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 10:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልፃፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል፥ ሓወቦኡ ንኣሮን፥ ፀዊዑ “ንዑ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ውሰድዎም” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 10:4
10 Referencias Cruzadas  

ደቂ ቀኣት፦ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።


ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን እናወሰደ፥ ኣብ ወፃኢ እቲ ሰፈር፥ ካብቲ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ይተኽሎ ነበረ፤ “መራኸቢ ድንኳን” ኢሉ ድማ ሰመዮ። ኵሉ ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ኸዓ፥ ካብቲ ሰፈር ወፂኡ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይኸይድ ነበረ፤


ደቂ ቀዓት ድማ እንበረም፥ ይሰዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም። ቀዓት ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ።


ደቂ ዑዝኤል ከዓ፥ ሚሳኤል፥ ኤልዳፋን፥ ስትሪ እዮም።


ደቂ ቃዓት በብዓሌቶም፥ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።


ሹም ማይ ቤት ዓሌታት ቀዓታውያን ኤሊሳፋን ወዲ ዑዝኤል እዩ።


ናብ በሪ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ንኖኡ ሓደ ዝኾነ፥ ወዲ ሓንቲ መበለት ሞይቱ፥ ሬሳኡ ተሸኪሞም እንትወፁ ረኸበ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ድማ ምስኣ ነበሩ።


ካብኣቶም ኣጓብዝ ተሲኦም ገነዝዎ፤ ተሸኪሞም ኣውፂኦምውን ቀበርዎ።


ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos