Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 10:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 10:3
46 Referencias Cruzadas  

ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።


ንሱ ግና “ንስኺ ኸም ኣዘራርባ ሰነፍ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ። ካብ እግዚኣብሄር ሰናይ ነገር ካብ ተቐበልና፥ ነቲ መከራኸ ኽንቅበልዶ ኣይግብአናን እዩ?” በላ። ኢዮብ በዝ ዅሉ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብኸንፈሩ ኣይበደለን።


ስጋይ ንኣኻ ኻብ ምፍራሕ ዝተልዓለ ደንገፀ፤ ካብ ፍርድኻ ዝተልዓለ እፈርሕ ኣለኹ።


ቀርኒ ህዝቡ ልዕል ልዕል ከብል እዩ፤ ምስጋና ዅሎም ቅዱሳኑውን፥ እቶም ናብኡ ዝቐረቡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል፥ ልዕል ልዕል ከብል እዩ። ሃሌ ሉያ።


መቕሰፍትኻ ኻባይ ኣርሕቕ፤ ካብ ሓይሊ ኢድካ ዝተልዓለ ተወዲአ ኣለኹሞ።


ንስኻ ሰሪሕካኒ ኢኻሞ፥ ስቕ በልኩ፤ ኣፈይውን ኣይከፈትኩን።


“ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ፤ ብኣህዛብ ልዕል ልዕል ክብል እየ፤ ኣብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል ክብል እየ።”


እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።


ምስክርካ የመና ዝተኣመነ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ።


ኣነ ድማ እንሆ ንልቢ ግብፃውያን ከትርር እየ። ንሳቶምውን ደድሕሬኹም ክስዕቡ እዮም። ኣነ ኸዓ ንፈርዖንን ንዅሎም ሰራዊቱን ንሰረገላታቱን ንፈረሰኛታቱን ብምስዓር ክኸብር እየ።


ኣነ ድማ ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ደድሕሬኹም ስዒቡ ኸሳጕጐኩም እዩ። ሽዑ ኣነ ንፈርዖንን ንዅሉ ሰራዊቱን ብምስዓር ክኸብር እየ። ግብፃውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም” በሎ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸምኡ ገበሩ።


እቶም ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፥ ንርእሶም ይቐድሱ” በሎ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ኪድ ውረድ እሞ ንኣሮን ምሳኻ ሒዝካዮ ደይብ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፥ ናባይ ናብ እግዚኣብሄር ክድይቡ ኢሎም ወሰን ከይጥሕሱ ኸልክሎም” በሎ።


“ንኣሮንን ንደቁን ድማ ኻህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ ቕብኣዮምን ቀድሶምን።


ሕዝቅያስ ከዓ ደጊምስ ብዘመነይ ሰላምን ሓቅን ክኸውን እዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ንኢሳይያስ “እቲ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ፅቡቕ እዩ” በሎ።


ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።


ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።


ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገራ፤ ኣቲ ሲዶን እኒሀኹ ኣብ ርእስኺ ኣለኹ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ክኸብር እየ፤ ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈፀምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።


ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”


እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።


በለኒውን፥ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ጥራሑ ዘሎ ቦታ፥ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ፥ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን፤ ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት፥ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፥ ኣብኡ ነቲ የመና ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን፥ መስዋእቲ በደልን ከንብሩ እዮም።


ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየሞ፥ ዘርኡ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኣየርክስ።


ንኣሮን ከምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ ብዝመፅእ ትውልዲ ዝኾነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ኣካል ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኽስውእ ኢሉ ኣይቕረብ።


ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጕድለት ኣካል ዘለዎ፥ ዝኾነ ሰብ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። ጕድለት ስለ ዘለዎ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ኸቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ።


ካህናት ንኣምላኾም ቅዱሳን ይኹኑ፤ ስም ኣምላኾም እውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ነቲ ምግቢ ንኣምላኾም ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእትን ቍርባንን ዘቕርቡ እዮም እሞ፥ ቅዱሳን ይኹኑ።


ንሳቶም እቲ ንኣምላኽኩም ዝተወፈየ መባእ እኽሊ ዘቕርቡ ኻህናት እዮም እሞ ቐድስዎም። ኣነ ዝቕድሰኩም እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፥ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹነልካ።


እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩሞ፥ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሸውዓተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣፍ ደገ ተቐሚጥኩም፥ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ” በሎም።


ንቆሬን ነቶም ሰዓብቱን ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸዓ ናብኡ ኸቕርቦ እዩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም” በሎም።


እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።


ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ” ሽዑ ኻብ ሰማይ “ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ” ዝብል ድምፂ መፀ።


ኣብ፥ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ፥ ኵሉ ብስመይ እትልምንዎ ኽገብረልኩም እየ።


እዝ ኣብ ማይ ጐይቊ፥ ኣብ ቃዴስ ኣብ ምድረ በዳ ሲን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስለ ዘይተኣዘዝኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከዓ ስለ ዘይቀደስኩምኒ፥


ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?


ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ ‘ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ከገልግሉኒ እዮም ኢለ ነይረ’ ደጊም ግና ‘ኣይኸውንን፤ ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፤ እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም፤ እዙይስ ካባይ ይርሓቕ’ ይብል እግዚኣብሄር።


ሽዑ ሳሙኤል እንተይሓብአ ኵሉ ነገሮ። ኤሊ ድማ “ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር” በለ።


እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos