2 ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ወፂኡ ድማ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሞቱ።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ።
ምስ ከደ ኸዓ እቲ ሬሳ ኣብ መንገዲ ተደርቢዩ ፀንሖ፤ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፤ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን።
ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ዕንፀይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን በልዖ። ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሓሶ።
ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳ ሰባትን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳ ሰባቱን ኣቃፀሎም።
ኤልያስ ድማ “ኣነ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እንተ ኾይነስ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፤ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከዓ የቃፅልኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን ኣቃፀሎም።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ዖዛ ነደደ፤ ነቲ ታቦት ስለ ዝሓዞ ቐሰፎ እሞ፥ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞተ።
ናዳብን ኣብዩድን ግና ቕድሚ ኣቦኣቶም ሞቱ፤ ውሉድ ከዓ ኣይነበርዎምን፤ ስለዙይ ኣልኣዛርን ኢታምርን ካህናት ኮኑ።
ንሱ ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ናይ እግዚኣብሄር ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፥ ነተን ጤለ በጊዕን ነቶም ኣገልገልትን ኣቃፀለቶምን በልዐቶምን። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ።
ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።
ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም።
ድሕሪ ሞት እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፥ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ።
ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
ብዘይ እቶም ብሰንኪ ቆሬ ዝሞቱ፥ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ።
ሽዑ ንሽዑ፥ ኣብ ጥቓ እግሩ ወዲቓ ሞተት። እቶም ኣጓብዝ ምስ ኣተዉ፥ ሞይታ ስለ ዝፀንሐቶም ተሸኪሞም ወሲዶም፥ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
ሓናንያ እዝ ቓል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ወዲቑ ሞተ። ኣብቶም ነዝ ነገር እዙይ ዝሰምዑ ዅሎም፥ ዓብዪ ፍርሓት ኮነ።
እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።