12 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ “ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ወሲድኩም ቅጫ ግበርዎ፤ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ።
ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
መባዅዕቲ ዘይተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ስርናይ ጌርካ እንጀራን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ቕጫን፥ ዘይቲ ዝተለኸየ ረቀቕቲ ቕጫታትን ሰንክት።
ንሳቶም ክህነት ምእንቲ ኽቕበሉን ክቕደሱን፥ ነቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተወፈየ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ካልእ ሰብ ከቶ ኣይብልዓዮ።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።
እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ።
ካብቲ ፍፁም፥ ቅዱስ ዝኾነ፥ መስዋእቲ ኣምላኹ ግና ይብላዕ።
ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ።
ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።
ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም።