11 እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።”
ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ።
ንሳቶም መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም፥ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ እናዞሩ፥ ነቲ ህዝቢ ይምህርዎ ነበሩ።
ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ዝመርሑ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን የበረታትዖም ነበረ። በቲ በዓል፥ በተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲኣተን ከዓ፥ መስዋእቲ ምስጋና እናቕረቡን እናበልዑን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም የመስግኑ ነበሩ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ።
ነቲ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ብግልፂ ኣንበቡሎም፤ እቶም ህዝቢ ነቲ ዝተነበበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ይገልፁሎም ነበሩ።
ንሳቶም ከዓ “ሕጊ ኻብ ካህን፥ ምኽሪ ኻብ ጠቢብ፥ ቃልውን ካብ ነቢይ ኣይሰኣንን እሞ፥ ንዑ ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ንማኸር፤ ንዑ ብኣንደበትና ንውቅዓዮ፤ ዝብሎ ዅሉውን ኣይንስምዓዮ” በሉ።
“ካህናት፥ ‘እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ?’ ኢሎም ኣይጠየቑን፤ መምህራን ሕጊ ድማ ኣይፈለጡንን፤ መራሕቲ ህዝቢ እውን ጠለሙኒ፤ ነቢያት ብስም ጣዖት በዓል ተነበዩ፤ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ኸዓ ተኸተልዎም።”
እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።
ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።
ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኹም ነገር ግበሩ፤ ከምቲ ዝመሃሩኹም ኵሉ ተጠንቂቕኩም ግበሩ።
ከምቲ ዝመሃሩኹም ሕግን ከምቲ ዝነገሩኹም ፍርድን ግበሩ። ካብቲ ዝገለፁልኩም ነገር ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበሉ።
“ሕማም ለምፂ እንተ ሓዘኩም፥ ከምቲ ዅሉ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም ግበሩ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎምውን ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
ንያእቆብ ፍርድታትካ፥ ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፥ ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ፥ ምሉእ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣብ መሰውኢኻ ኸቕርቡ እዮም።
ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እንታይ ዓይነት ትእዛዝ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።