10 ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።
ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፤ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፤ ነቲ ቕዱስ፥ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፤ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ፍልልይ ኣይፈለጡን፤ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፤ ኣነውን ኣብ ማእኸሎም ረኸስኩ።
“ንሳቶም ንህዝበይ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፥ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ዘሎ ምልላይ ከዓ ኸፍልጥዎ እዮም።
እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቍስሊ፥ ከምቲ ናይ ሕማም ለምፂ ቕይሕ ዝበለ ፃዕዳ ኾይኑ እንተ ተርእይዎ፥
ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነፅሀላ መዓልትን ዘፍልጥ ሕጊ ሕማም ለምፂ እዙይ እዩ።
ንንፁሃት፥ ኵሉ ነገር ንፁህ እዩ፤ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፥ ኣእምሮኣቶምን ሕሊናኣቶምን ርኹስ ስለ ዝኾነ፥ ንፁህ ዝኾነ ነገር የለን።