7 ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ።
ኣብርሃምን ወዱን ድማ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሓበረሉ ቦታ በፅሑ፤ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፤ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፈሉ። ንወዱ ይስሓቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣጋደሞ።
ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም።
ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ።
ወዲ ሕልቃና፥ ወዲ ይሮሓም፥ ወዲ ኤሊኤል፥ ወዲ ቶዋ፥
ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።
ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።
“ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱ፥ ሓደ ኻባኻትኩም በርታት ዝዓፁ እንተ ዝርከብ! ኣነ ብኣኻትኩም ደስ ኣይብለንን፤ ካብ ኢድኩምውን ዝኾነ ዓይነት ቍርባን ኣይቅበልን፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።