6 ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ በብብልዕቱ ይቝረፆ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን።
ነቲ ዕንፀይቲ ኸዓ ፀፍፀፎ፤ ነቲ ዝራብዕ ቘራሪፁ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይቲ ኣንበሮ። ሽዑ “ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንፀይትን ኣፍስሱሉ” በሎም።
ሰስድሪ ዝምንዋሑ ዅላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ነበረ፤ እዝ ሰደቓታት እዙይ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ ነበረ።
ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ።
ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ።
ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ።