5 ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
መስዋእቲ ፋሲካ ሓረዱ እሞ፥ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢድ ሌዋውያን እናተቐበሉ፥ ኣብቲ መሰውኢ ነፀግዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ገፈፍዎ።
ነቲ ዝራብዕ ከዓ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድመይ ሕረዶ።
ነቲ ማጕላ ኸዓ ሕረዶ፤ ነቲ ደሙውን ኣብ ኵሉ ወገን እቲ መሰውኢ ንፀጎ።
“ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ግበሮ።
ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
በለኒ ድማ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብኡ ምእንቲ ኸቕርቡ፥ ደም ከዓ ኣብኡ ኽነፅጉስ፥ በቲ ዝስርሐሉ መዓልቲ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዙይ እዩ፦
ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ።
እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፥ ነቲ ርእሱ ጠውዩ ይቘልዕሞ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ፤ እቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይፅፈፍ።
ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ዝስዋእ ዲበላ ድማ ይሕረዶ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። በቲ ደሙ እውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ይንፀጎ።
ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ።
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ በጊዕ የንብር፤ ኣብታ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ምእንቲ ሓጢኣቱ ይሕረዳ።
እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽቐርብ? ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ? ዝቃፀል መስዋእትን ምራኽ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመፅእ?
“በዅሪ ላሕምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና ናተይ እዮም እሞ፥ ኣይቤዘውዎም፤ ንደሞም ኣብ መሰውኢ ንፀጎ፤ ስብሖም ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ብሓዊ ኣቃፂልካ ሰውአለይ።
ኵሉ ካህን ዝኾነ፥ በብመዓልቱ ኣገልግሎቱ ይፍፅም፤ ነቲ ፈፂሙ ሓጢኣት ከርሕቕ ዘይኽእል መስዋእቲ ድማ፥ መላሊሱ የቕርብ።
ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።
እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።
ነቲ ዝራብዕ ምስ ሓረድዎ ነቲ ህፃን ናብ ኤሊ ኣምፅእዎ።