Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 1:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 1:13
15 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።


ዓሰርተ ጋብላታት ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ብወገን የማን፥ ሓሙሽተ ብወገን ፀጋም ከዓ ኣንበሮ። ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ኣብኡ ይሓፅብዎ ነበሩ። በቲ ኣብ መዕቘሪ ማይ ዘሎ ማይ ግና እቶም ካህናት ይሕፀቡ ነበሩ።


ኣብ ጥቓ እተን ኣዕምዲ ተዛነብ ደገታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ፤ ኣብኣውን ዝቃፀል መስዋእቲ ይሓፅቡ ነበሩ።


እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።


ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ።


ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።


ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ። እዙይ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።


ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ስርዓት ኣቀራርባ ቝርባን እኽሊ ኸምዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መሰውኢ የቕርብዎ።


ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦


እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።


ኣብ መጀመርታ ዅለን ኣዋርሕ ድማ ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።


ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።


ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos