8 ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፤ ካብ ኢዶም ዘናግፈና ኸዓ የለን።
“ከነዓን ርጉም ይኹን። ነሕዋቱውን ባርያ ይኹን” በለ።
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ግና ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካብኣቶም እንጀራን ወይንን ኣርብዓ ቕርሺ ብሩርን ይወስዱ ነበሩ። እቶም ሓሻኽሮም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
ኣብ ልዕሊ እዙይውን በዳሊ ኸም ዘይኮንኩ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤ ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።”
ደቁ ኻብ ድሕነት ርሒቖም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን።
ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትርስዑ፥ ነዙይ ኣስተውዕሉ፤ እንተ ዘይኮይኑ ኽነጥቕ እዩ፥ ዘድሕንውን የለን።
ዘድሕንን ዘናግፍን ኣብ ዘይብሉ፥ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ከይምንዝዕዋን ከይሰላልዕዋን።
እዙይ ከዓ፥ ባርያ እንተ ነገሰ፥ ሰነፍ እንጀራ እንተ ፀገበ፥
ካብ ጥንቲ፥ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ካብ ኢደይ ከናግፍ ዝኽእልውን የለን፤ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ክኽልክል ዝኽእልከ መን እዩ?”
ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ፈተውታ፥ ሓፍረታ ኽቐልዓ እየ፤ ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ድማ፥ ሓደ እኳ የለን።
“ድሕሪ ሕዚ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣይርህርሀሎምን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፥ ንዅሉ ሰብ ኣብ ኢድ ብፃዩን፥ ኣብ ኢድ ንጉሱን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ፤ ንሳቶም ከዓ ነታ ምድሪ ኸባድምዋ እዮም፤ ኣነውን ካብ ኢዶም ኣየናግፎምን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታት መመሊሶም ልዕሌኹም ክኾኑ እዮም፤ ንስኻትኩም ግና መመሊስኩም ትሕቲኦም ክትኮኑ ኢኹም፤