Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 5:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፤ ንሕና ደኸምና፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣንና።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 5:5
14 Referencias Cruzadas  

“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።


“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።


እቲ ገፊሕ ቅፅርታት ባቢሎን፥ ፈፂሙ ኽፈርስ እዩ፤ እቲ ነዊሕ መዓፁኣ ኸዓ፥ ብሓዊ ኽነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኽሰርሑ እዮም፤ ኣህዛብ ከዓ ንሓዊ ኽደኽሙ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።”


ኖን። “ኣርዑት በደለይ ብኢዱ ተትሓዘት፤ ተጠላሊፉ ድማ ኣብ ክሳደይ ተጠምጠመ፤ ንሓይለይውን ኣድከሞ፤ ጐይታ ናብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።”


ጋሜል። ይሁዳ ብሰንኪ ብርቱዕ መከራን፥ ፅኑዕ መግዛእትን፥ ተማረኸት። ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ተቐመጠት፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣነት፤ ኵላቶም እቶም ዘጨንቕዋ ተጨኒቓ ረኸብዋ።


ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።


ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብ ልዕሊ እዝ ወለዶ እዙይ፥ ክፉእ ክምህዘሉ እየ፤ እንሆ፥ ክፉእ ዘመን እዩሞ ኽሳድኩም ኣይተልዕሉን፤ ተዓቢኹም ከዓ ኣይትኸዱን።


ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።


እምበኣርከስ፥ ነቲ ኣቦታትና ኾነ ንሕና ኽንፆሮ ዘይከኣልና ኣርዑት፥ ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርት ብምፅዓን፥ ስለ ምንታይ ንእግዚኣብሄር እትፈታተንዎ?


ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos