4 ማይና ብዋጋ ንሰቲ፥ ዕንፀይትናውን ብመሸጣ ንዕድግ።
“እንሆ፥ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፤ ኣብታ ፍረኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፥ እንሆ፥ ንሕና ኣብኣ ባሮት ኴንና ኣለና።
እንሆ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፍን ፅንዓትን፥ ኵሉ ደገፍ እንጀራን ኵሉ ደገፍ ማይን ከወግድ እዩ።
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።