3 ኣቦ ዘይብሎም ደኽታማት ኮንና፤ እኖታትናውን መበለታት ኮና።
እንተ ገፋዕኹምዎም፥ ንሳቶም ከዓ ናባይ እንተእወዩ፥ ኣነ ንኣውያቶም ብርግፅ ክሰምዖ እየ።
ቍጥዓይ ምስ ነደደ ኸዓ ብሰይፊ ኽቐትለኩም እየ። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፥ ደቅኹም ድማ ደኽታማት ክኾኑ እዮም።
መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።
ስለዙይ ሕዚ ደቆም ንጥሜት ሃብ፤ ንኣኣቶም ከዓ ስሕለት ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃብ። ኣንስቶም ናይ ወላድ መኻንን መበለታትን ይኹና፤ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ፤ ኣጕባዞም ከዓ ኣብ ጊዜ ውግእ ብሰይፊ ይውደቑ።
ኣሶር ከድሕነና ኣይኽእልን፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ኣይንቕመጥን፤ እቲ ደኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፥ ደጊም ነቶም ኣእዳውና ዝሰርሕዎም፥ ኣማልኽትና ኢኹም ኣይንብሎምን” በልዎ።