2 ርስትና ንመፃእተኛታት፥ ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።
ንዅሉ ገንዘቡ በዓል ዕዳ ይውረሮ፤ ንዅሉ ዝደኸመሉውን ባዕዲ ይዝመቶ።
ሃገርኩም ዓንያ፥ ከተማታትኩምውን ብሓዊ ተቓፂለን፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ጓኖት ንገራሁኹም ይበልዕዎ፤ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ምድሪ ዓነወት።
ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።
እቲ ቕዱስ ህዝብኻ፥ ነታ ምድሪ ንሓፃር ዘመን ጥራሕ ተረስተያ፤ ሕዚ ግና ፀላእትና፥ ንቤተ መቕደስካ ረገፅዋ።
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ዘመተ ክኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፥ ምርኮ ክኽውን ከዓ ንዓመፅቲ ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸርክስዎ እዮም።
ነቶም የመና ሕሱማት ካብ ኣህዛብ ከምፅእ እየ እሞ፥ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም፤ ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፤ መቕደሳቶም ከዓ ኽረኽሳ እየን።
ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።
እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።
ሃብቶም ክዝመት፥ ኣባይቶም ክዓንዉ እዮም፤ ኣባይቲ ይሰርሑ፥ ግናኸ ኣይነብርዎን፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ይተኽሉ፥ ግና ወይኑ ኣይሰትዩን እዮም።”