11 ንኣንስቲ ኣብ ፅዮን፥ ንደናግል ድማ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዓመፁወን፤
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ህፃናቶም ክጭፍጨፉ እዮም፤ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፤ ኣንስቶም ድማ ኽንውራ እየን።
ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
“ሰበይቲ ኽትሕፀዩ ኢኹም፤ ግና ኻልእ ምስኣ ኽድቅስ እዩ፤ ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፤ ግና ኣብኡ ኣይትነብሩን ኢኹም። ወይኒ እውን ክትተኽሉ ኢኹም፤ ግና ኻብኡ ፍረ ኣይትእክቡን ኢኹም።