Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 4:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ጤት። ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ፥ እቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ይሐሹ፤ ኣብ ሜዳ ምግቢ ብዘይምርካቦም፥ ዝበልዕዎ ስኢኖም ብጥሜት ሃሊቖም እዮምሞ።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 4:9
10 Referencias Cruzadas  

ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።


ኣስዒቦም ከዓ “እቲ ኣብ ጥቓ ስጋ ዝመልአ ቝራዕ ኮፍ ኢልና እንትንበልዕ፥ ዝደለናዮ እንጀራ በሊዕና ኸዓ ኽንፀግብ እንተለና፥ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ግብፂ እንተንመውት ምሐሸና። ንስኻትኩም ግና ንዅልና ብጥሜት ክትቀትሉና፥ ናብዝ በረኻ እዙይ ኣውፃእኹምና” በልዎም።


ኣቲ ኣውያትን ህልቀትን ዝመልአኪ ኸተማ፥ ኣቲ ሕጕስቲ ኸተማ፥ እቶም ኣብ ውሽጥኺ ዝተቐተሉ፥ ብሰይፊ ወይ ኣብ ውግእ ኣይኮኑን ዝተቐተሉ።


ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።


መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፥ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ፤ ዋይ ዋይ ኣይትብሉን፤ ኣይትበኽዩን ከዓ ኢኹም፤ ግናኸ ብሰንኪ ሓጢኣትኩም ክትማስኑ፥ ነንሓድሕድኩም ከዓ እህህ ክትብሉ ኢኹም።


ኣታ ወዲ ሰብ፥ ቤት እስራኤል፦ “ንስኻትኩምስ፥ ሓጢኣትናን በደልናን ኣብ ርእስና እዩ፤ ንሕና ኸዓ ብሰንኩ ንደክም ኣለና፤ ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፥ ትብሉ ኣለኹም በሎም።


መሊሱውን “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጀራ ኽሰብሮ እየ፤ እንጀራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፥ ንእንጀራ ብሚዛንን ብፍርሕን ክበልዕዎ፥ ንማይ ከዓ ብመስፈሪን ብድንጋፀን ክሰትይዎ እዮም፤ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኾይኖም ክትክዙ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶምውን ክጠፍኡ እዮም” በለኒ።


ኣብ ወፃኢ ሰይፊ፥ ኣብ ውሽጢ ኸዓ ፌራን ጥሜትን ኣሎ፤ እቲ ኣብ መይዳ ዘሎ ብሰይፊ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ክውሕጦ እዩ።


እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ፀላእትኹም ብሓጢኣቶም ይምንምኑ፤ ብሓጢኣት ኣቦታቶምውን ምስኣቶም ይምንምኑ።


ክሳዕ እትጠፍኡ ኸዓ፥ ውሉዳት መጓሰኹምን ከፍትኹምን ፍረ ምድሪኹምን ክበልዑ እዮም፤ ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ስርናይ፥ ወይኒ፥ ዘይቲ፥ ምራኽ ላሕምኹም፥ ሌማታት ኣባጊዕኹም ኣይገድፉልኩምን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos