3 ጋሜል። ወኻሩ እኳ ኣጥባተን ሂበን፥ ንዀራኹረን የጥብዋ፤ ጓል ህዝበይ ግና፥ ኣብ ምድረ በዳ ከም ዘለዉ ሰገናት ጨካን ኮነት።
እንሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ ንግሆ እንተ ተሳእኹ ኸዓ ሞይቱ ፀንሐ። ብምስትውዓል እንተ ጠመትክዎ ድማ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይነበረን” በለት።
ተዅላታት ኣብ ኣደራሻታ፥ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ፅቡቕ ግምብታታ ኽንቅዉ እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፤ መዓልትታታውን ኣይድንጕያን እየን።
እሾዅ ኣብ ኣደራሻታ፥ ኣምዐን ኳዂቶን ከዓ ኣብ ዕርድታታ ኽበቍል እዩ፤ ሰፈር ወኻሩን መውዓሊ ሰገንን ክትከውን እያ።
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ስጋ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ከብልዖም እየ፤ ብፀላእቶምን በቶም ንነፍሶም ዝደልዩን ተኸቢቦም ምስ ተጨነቑ፥ ስጋ ብፆቶም ክበልዑ እዮም።”
ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?
ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”
ስጋ ኣወዳትኩምን ስጋ ኣዋልድኩምን ክትበልዑ ኢኹም።
ዘየስተውዕሉ፥ ጠላማት፥ ፍቕሪ ዘይብሎም፥ ጨካናት እዮም።