16 ዔ። እግዚኣብሄር ባዕሉ በተኖም፤ መሊሱ ቝልሕ ኣይብሎምን፤ ገፅ እቶም ካህናት ኣይሓፈሩን፤ ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን።
ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።
ንሳቶም ናብኡ ምስ ኣእወዩ ግና ሰምዖም፤ መከራኦም ድማ ተመልከተ።
ከምቲ ኣብ ህዝቢ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ካህኑ፥ ከምቲ ኣብ ኣገልጋሊ ዝኸውን ከምኡ ኣብ ጐይታኡ፥ ከምቲ ኣብ ግዝእቲ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ እምበይተኣ፥ ከምቲ ኣብ ዓዳጊኡ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ ሸያጢኡ፥ ከምቲ ኣብ ተለቃሒ ዝኸውን፥ ከምኡ ኣብ መለቅሒኡ ክኸውን እዩ።
ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።
ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”
ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከዓ ንፀርፍን ንመመሰልን ንመላገፅን ንመርገምን ክኾኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኵሉ መንግስታት ምድሪ እውን፥ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም።
ሬስ። ኦ እግዚኣብሄር፥ ተመልከት፤ ኣብ ልዕሊ መን ከምዙይ ከም ዝገበርካ ተመልከት፤ ብሓቂዶ እኖታት ነቶም ፍረ ማህፀነን ዝኾኑ፥ ዘሐንቀቓኦም ህፃናት ይበልዓ እየን? ካህንን ነቢይንከ ኣብ መቕደስካዶ ይሕረዱ እዮም?
ዋው። ነታ መሕደሪኡውን ከም ተኽሊ ነቐላ፤ መአከቢ ስፍራኡውን ኣፍረሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን፥ ንበዓልን ሰንበትን ከም ዝርሳዕ ገበረ፤ ብናህሪ ቝጥዓኡ ንንጉስን ካህንንውን ኣዋረደ።
ንመራሕቲ በእዳዎም ሰቐልዎም፤ ንኣረጋውያንውን ኣየኽበርዎምን።
ስለዙይ ኣብ ማእኸልኪ ወለዲ ንውሉዶም፥ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም፤ ፍርዲ ኣባኺ ኽፍፅም፥ ንዅላቶም ዝተረፉኺውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ።”
“እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ተስዓርቲ ኽገብረኩም እዩ፤ ብሓደ መንገዲ ኽትከድዎም ኢኹም፤ ብሸውዓተ መንገዲ ኸዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ከስካሕክሑ እዮም።
ፈፂመ ኽድምስሶም፥ መዘከርታኦም ካብ ማእኸል ሰብ ከጥፍእ እየ በልኩ።
ከምታ ብኢዶም ሒዘ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኺዳን ኣይኮነን፤ ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይፀንዑን እሞ፥ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።