11 ካፍ። እግዚኣብሄር ንመዓቱ ፈፀመ፤ ርሱን ቍጥዓኡውን ኣፍሰሰ፤ ኣብ ፅዮን ሓዊ ኣንደደ፤ ንመሰረታታውን ከም ዘቃፅሎ ገበረ።
ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።
ሽዑ ሰብ ምስ ሰብ፥ ነቦታት ምስ ውሉድ ከላትሞም እየ። ከጥፍኦም እየ እምበር ንሓደ እኳ ኣይሓዝነሉን፤ ኣይርህርህን፤ ኣይምሕርንውን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ግና ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ኽትቕድሱ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ፆር ፀይርኹም ብበርታት ኢየሩሳሌም ከይትኣትዉ፥ ዝነገርኩኹም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ኣብ በርታት ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ድማ ኸቃፅሎ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።”
ኣነ ኸምቲ ፍረ ግብርኹም ክቐፅዐኩም እየ፤ ኣብቲ ዱር ሓዊ ኽእጕደሉ እየ እሞ፥ ንዅሉ ኸባቢኣ ሓዊ ኽበልዖ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቲ እግዚኣብሄር ኣብዞም ህዝቢ እዚኣቶም ዝተናገሮ፥ ቍጥዓኡን መቕሰፍቱን ዓብዪ እዩ እሞ፥ ምናልባሽ ፀሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይበፅሕ ይኸውን፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኻብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ።”
ስለዙይውን፥ እንሆ፥ ቍጥዓይን ናህረይን ኣብዛ ስፍራ እዚኣ፥ ኣብ ሰብን እንስሳን፥ ኣብ ኣእዋም በረኻን፥ ኣብ ፍረ ምድርን ከፍስስ እየ። ቍጥዓይ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኽሳዕ ዘይኽእል ክነድድ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።”
ኣሌፍ። እግዚኣብሄር ብቝጥዓኡ ንጓል ፅዮን ከመይ ብደመና ኣጐልበባ። ነቲ ኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ነታ መርገፂ እግሩ ዝኾነት ኣይዘከራን።
ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።
ጋሜል። በቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ንዅሉ ቐርኒ እስራኤል ሰበረ፤ ፀላኢ ምስ ተልዓለ ኸዓ፥ የማናይ ኢዱ ንድሕሪት መለሰ፤ ከምቲ ንኸባቢኡ ዝልቝምፅ ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ነበልባል ሓዊ ነደደ።
ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።
ሔት። እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ጓል ፅዮን ዘሎ ቕፅሪ፥ ክፈርስ ከም ዘለዎ ወሰነ፤ መለክዒ ገመድ ዘርግሐ፤ ካብ ምጥፋእውን ኣእዳዉ ኣይመለሰን፤ ዕርድታትን ቅፅርን ከዓ ኽበኽዩ ገበረ፤ ሓቢሮም ድማ ደኸሙ።
ታው። ኦ ጓል ፅዮን፥ መቕፃዕትኺ ኽውዳእ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ኣየማርኸክን እዩ፤ ኣቲ ጓል ኤዶምያስ ንበደልኪ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ።
ስለዙይ ከዓ ቝጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣፍሰስኩ፤ ብሓዊ ቝጥዓይ ኣጥፋእኽዎም፥ መንገዶምውን ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሽዑ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝኸዓውዎ ደምን፥ ብጣዖታቶም ከዓ ስለ ዘርከስዋን ቍጥዓይ ኣፍሰስኩሎም።
እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፥ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸዓ ብሰይፊ ኽወድቕ፥ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዝ ኸምዙይ ቍጥዓይ ኣብኣቶምም ክፍፅም እየ።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ኣነ ድማ ብቝጥዓ እናተፃረርኩኹም እኸይድ እሞ፥ ብሓጢኣትኩም ሸውዓተ ዕፅፊ ኽቐፅዐኩም እየ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
እዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀምስ፥ እዋን ምፍዳይ ሕነ እዩ።