6 ከምቶም ቀደም ዝሞቱ፥ ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ።
ፀላኢ ንነፍሰይ ኣሳጐጓ፤ ንህይወተይውን ኣብ ምድሪ ኣዋረዳ፤ ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ፀልማት የንብረኒ ኣሎ።
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና።