57 ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤ ‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ እሞ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፤ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ኽባርኸካ፥ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ” በሎ።
ኢሳይያስ ድማ ንጐይታኹም፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘በቲ ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ክፀርፉኒ ዝሰማዕኻዮም ነገር ኣይትፍራሕ።
በታ ዝፀዋዕኩኻ መዓልቲ ቐልጢፍካ ስምዐኒ፤ ንነፍሰይውን ብሓይልኻ ብብዙሕ ኣፅናዕኻያ።
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ።
ንነፍሰይ ጠምታ፤ ተቤዘዋውን፤ ስለ ፀላእተይውን ኣድሕነኒ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፥ ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ኣይትፍርሑ፤ ኣነ ኽሕግዘኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ተቤዛዊኹም ድማ፥ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
ሽዑ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽምልሰልካ እዩ፤ ክተእዊ ኢኻ፤ ንሱ ድማ ‘እኒሀኹ’ ኽብለካ እዩ።
ንስኻ ግና ሕቘካ ተዓጠቕ፤ ተሲእኻ ዅሉ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኣቶም ከየሕፍረካስ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ።
ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።
‘ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቄሳር፥ ደው ክትብል ኢኻ፤ እንሆ ነቶም ምሳኻ ዝጐዓዙ ዅላቶምውን፥ እግዚኣብሄር ሂቡካ ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍራሕ’ በለኒ።
ሕጊ ሙሴ፥ ንሓደኳ ኣብ ፍፃሜ ዘብፅሖ የለን እሞ። ሕዚ ግና ናብ እግዚኣብሄር እንቐርበሉ፥ ዝበለፀ ተስፋ መፂኡልና ኣሎ።
ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።