53 ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤ ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።
ሽዑ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኽቕመጥ ተገብረ፤ ኣብኡውን ንነዊሕ መዓልቲ ፀንሐ።
እምበኣር ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ ጥርዓነይ ኣብ ቅድሜኻ ቕቡል ይኹን፤ ኣብኣ ኸይመውትስ ደጊምካ ናብ ቤት ዮናታን እቲ ፀሓፊ ኣይትምለሰኒ” ኢሉ ለመኖ።
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ።
እቲ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተመለሰ፤ ፆሙ ኸዓ ሓደረ፤ ዝብላዕውን ኣየምፅኡሉን። ድቃስ ድማ ኻብኡ ረሓቐ።
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ።
ኣብቲ ኣብ ኰዅሒ ዘውቀሮ፥ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓፅይዎ ኸደ።
ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።