43 ሳምኬት። “ብቝጥዓ ኸደንካና፤ ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን።
ኣብ ክፉእ ስፍራ ኣዋሪድካና ኢኻሞ፤ ብፅላል ሞትውን ሰዊርካና ኢኻሞ።
እንጀራ ንብዓት ኣብላዕኻና፤ ብመስፈሪ ኸዓ ንብዓት ኣስተኻና።
ከምኡ ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ብመቕሰፍትኻውን ኣደንግፆም።
ፌ። እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓሰቦ ገበሮ፤ ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ጊዜ ተናጊርዎ ዝነበረ ቓሉውን ፈፀሞ፤ ብዘይ ርህራሀ ኣፍረሰኪ፤ ፀላኢ ብስቓይኪ ምእንቲ ኽሕጐስ፥ ቀርኒ ፀላእትኺ ልዕል ልዕል ኣበለ።
ሳን። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሞይቶም ኣብ መሬት፥ ኣብ ኣደባባያት ተደርብዮም ኣለዉ፤ ጐርዞታተይን ኣጕባዘይን ከዓ ብሰይፊ ወደቑ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐተልካዮም፤ ብዘይ ርህራሀውን ሓረድካዮም።
ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።”
ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥ ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
ዓይነይ ኣየናሕስን እዩ፤ ኣነውን ኣይርህርህን፤ ኣነስ ከም መጠን መንገድኺ ኸምፅአልኪ እየ፤ ርኽሰትኪ ድማ ኣብ ማእኸልኪ ክኽውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝቐስፍ ዘሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”
ስለዙይ “ኣነ ድማ ብናህሪ ኽገብር እየ፤ ዓይነይ ኣይትርህርሀሎምን እያ፤ ኣይምሕሮምን እየ፤ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ኣእወዩ እኳ ኣይሰምዖምን እየ” በለኒ።
ስለዙይ ዓይነይ ኣይሓዝንን፤ ኣነ ኣይርህርህን፤ መንገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።”