42 “ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤ ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”
ብፍላይ ድማ ንፁህ ደም ብምፍሳስ፥ ንኢየሩሳሌም ብደም ስለ ዝመልኣ እዩ። በዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንምናሴ ክርህርሀሉ ኣይደለየን።
ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን።
“ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮይኖም ኣበዩን ካባኻ ኸድዑን፤ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደርበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነቢያትካ ቐተልዎም፤ ንኣኻውን የመና ኣቘጥዑኻ።
ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝዓመፁ፥ ንምኽሪ ልዑልውን ስለ ዝነዓቑ፤
ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥ ንእመን ኣለና። ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥ ተፈሊጡና ኣሎ።
እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥ ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ስቓየይውን ረአዩ፤ ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”
ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፤ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና።
ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ፤ ኣፅርየክስ ኣይፀረኽን ኢኺ እሞ፥ ሕነ ቝጥዓይ ክሳዕ ዝወፀልኪ፥ ካብ ርስሓትኪ ኣይትፀርዪን ኢኺ።
“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።
ሕዚ ኣቦታትኩም ኣበይ ኣለዉ? ነቢያትከ ንዘለኣለምዶ ብህይወት ይነብሩ እዮም?
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።