4 ቤት። ንስጋይን ንቘርበተይን ኣእረጎ፤ ነዕፅምተይውን ሰባበሮ።
ቈርበተይ ፀለመ፤ ካባይ ተፈልዩውን ርግፍግፍ በለ፤ ኣዕፅምተይ ድማ ኻብ ረስኒ ዝተልዓለ ተቓፀለ።
ከም ማይ ፈሰስኩ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ተፈላለየ፤ ልበይ ከም ሽምዒ ኾነ፤ ኣብ ማእኸል ኣምዑተይውን መኸኸ።
ኵልሻዕ ካብ ምእዋየይ ዝተልዓለ፥ ስቕ ምስ በልኩ፥ ኣዕፅምተይ ተበላሸዋ።
ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕፅምተይ ደስ ይበሎም።
ክሳዕ ዝወግሕ ሃዲአ ተፀበኹ፤ ንሱ ግና ኸም ኣንበሳ፥ ንዅሉ ኣዕፅምተይ ሰባበሮ፤ ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ክተጥፍአኒ ኢኻ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ።