3 ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።
ኣነ ሃዲአ ዝነብር ሰብ ነበርኩ፤ ንሱ ግና ሰበረኒ፤ ብኽሳደይ ሒዙ ቐጥቀጠኒ፤ ዕላማኡ ገይሩ ኣቖመኒ።
“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥ ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!
“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤ ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥
ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥ ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤ ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤ ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”
ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤ ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።
ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም።
ነዝ ሰብ እዙይ እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን እዩ። ክንድኡስ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ኣብ ልዕሊኡ ኽነድድ እዩ። እቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍዙይ ተፅሒፉ ዘሎ መርገም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኽወርድ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ።