13 ሄ። ፍላፃታቱ ኻብ ሰገባኡ ኣውፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ።
ፍላፃ ኣየህድሞን፤ እምኒ ወንጭፍውን ከም ሓሰር ኾይኑ ይስምዖ።
ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥ ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤ ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤ ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”
መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም።
ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።
“ክፉእ ኣብ ልዕሊኣቶም ክእክብ እየ፤ ብፍላፃይውን ክወግኦም እየ።