12 ቀስቱ ገተረ፤ ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ።
ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥ ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤ ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤ ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”
ኣታ ንሰብ እትከታተል፥ በዲለ እንተ ኾይነስ፥ እንታይ ክገብረልካ? ስለ ምንታይ ኢኻ ዒላማኻ ዝገበርካኒ? ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ?
ፍላፃታትካ ወጊአናኒ እየንሞ፤ ኢድካውን ኣኽቢድካለይ ኢኻሞ።
ደሌጥ። ከም ፀላኢ ቐስቱ ገተረ፤ ከም ወደረኛውን የማናይ ኢዱ ኣበርትዐ፤ ንዓይኒ ዘብህግ ኵሉ ቐተለ፤ ኣብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ፅዮን፥ ንቝጥዓኡ ኸም ሓዊ ኣፍሰሶ።