1 ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤
“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥ ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!
ዘመነይ ከም ፅላሎት ሓለፈ፤ ኣነውን ከም ሳዕሪ ነቒፀ ኣለኹ።
ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ኣርአኻኒ፤ ግና ተመሊስካ ህያው ገበርካኒ፤ ካብ ውሽጢ ምድሪ እውን መሊስካ ኣውፃእኻኒ።
ቍጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ፀንዐ፤ ኵሉ መቕሰፍትኻውን ኣብ ልዕለይ ኣምፃእኻ።
ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”
ሽዑ ንኤርሚያስ ወሲዶም፥ ናብታ ኣብ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ጕድጓድ ማይ ናይ መልክያ ወዲ እቲ ንጉስ ደርበይዎ፤ ብገመድ ኣሲሮምውን ናብኡ ኣውረድዎ። ኣብቲ ጕድጓድውን ጭቃ እምበር፥ ማይ ኣይነበረን እሞ ኣብቲ ጭቃ ተረግረገ።
ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ።
ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤ ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።