Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 2:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ላሜድ። ኣብ ልዕሊ ጐደናታት እታ ኸተማ፥ ከም ዝተወግአ ሰብ እንትደኽሙ፥ ኣብ ሕቝፊ እኖታቶም ትንፋሶም ክትወፅእ እንትትብል “እንጀራን ወይንን ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ንእኖታቶም ይጥይቑ።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 2:12
9 Referencias Cruzadas  

“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤ ዘመን መከራ ሓዘትኒ።


እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።


ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።


ውሉድኪ ደኺሞም፥ ኣብ ኵሉ ቐራና መንገድታት ዛሕ በሉ፤ ብመፈንጠር ከም ዝተትሓዘ መይዳቚ ኾኑ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄርን ተግሳፅ ኣምላኽክን መልኦም።


ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤ ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥ ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤ ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤ ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”


ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”


ካፍ። ኵሉ ህዝባ ዝበልዖ እንጀራ ደልዩ የእዊ ኣሎ፤ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንዅሉ ኽቡር ጥሪቶም፥ ብምግቢ ይልውጥዎ ኣለዉ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን።


ዳሌጥ። ካብ ፅምኢ ማይ ዝተልዓለ፥ መልሓስ ህፃናት ምስ ትንሓጎም ተጣበቐ፤ ቈልዑ እንጀራ ለመኑ፤ ዝህቦም ግና የለን።


ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos