Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ሰቆቃወ 1:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤ ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤ ዘፀናንዓውን የለን፤ ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።

Ver Capítulo Copiar




ሰቆቃወ 1:9
46 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም።


እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር መከራ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፥ እቲ እሱር ኮነ ዘይእሱር ከም ዝጠፍአ፥ ንእስራኤል ከዓ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረአየ እዩ።


“ሕዚ ድማ፥ ኦ ኣምላኽና፥ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ዓቢይን ብርቱዕን እትፍራሕን ኣምላኽ፥ እቲ ንኣናን ንነገስታትናን ንኣሕሉቕናን ንኻህናትናን ነቦታትናን ንዅሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽተይ ኮይኑ ኣይረአኻ።


ሕግኻ ኣይረሳዕኹን እሞ፥ መከራይ ርኢኻ ኣናግፈኒ።


ኦ ጐይታ፥ ካብ ድልየተይ ዝተልዓለ፥ ንሓጢኣተኛታት ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ፤ ኣብ ልዕለይ ተማኺሮም ኣለዉሞ፥ ከይዘሃሩስ ኣይትሕደገኒ።


ንድኻመይን መከራይን ረአ፤ ንዅሉ ሓጢኣተይውን ይቕረ በለለይ።


ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይውን መፂፅ ኣስተዩኒ።


ካብ መከራ ግብፂ ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፈሪዛውያንን ኤዊያውያንን ኢያቡሳውያንን ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ’ ኢሉ እዩ ኢልካ ንገሮም።


እግዚኣብሄር ድማ “መከራ እቲ ኣብ ግብፂ ዘሎ ህዝበይ ሪአ ኣለኹ። ብሰንኪ እቶም ዘስርሕዎም ዘእውይዎ ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ስቓዮምውን ፈሊጠ ኣለኹ።


እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝተመልከቶም፥ መከራኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።


መሊሰ ኸዓ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ግፍዒ ተመልከትኩ። እንሆ፥ ንብዓት እቶም ግፉዓት ረአኹ። ዘፀናንዖምውን ኣይነበረን፤ ኣብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ሓይሊ ነበረ፤ ንኣኣቶም ግና ዘፀናንዖም ኣይነበረን።


ነዒንቲ ኽብሩ ኸቘጥዑ፥ ልሳኖምን ግብሮምን ኣንፃር እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ኢየሩሳሌም ሰንከልከል ትብል ኣላ፤ ይሁዳ ኸዓ ትወድቕ ኣላ።


ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝንኻ ፅሎ እሞ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ረአ፤ ነተን ሰናክሬም ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ፥ ዝለኣኸን ኵለን ቃላት ስምዓየን።


ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝፀረፍካዮን? ድምፅኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኢኻ ዘልዓልካ? ኣዒንትኻኸ ንመን ኢኻ ዘፍጠጥካሉ? ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።”


ቍጥዓኻን ድፍረትካን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበፅሐ፥ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፥ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ከእቱ እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲውን ክመልሰካ እየ።


ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ፥ ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክፃረፍ ዝለኣኾ፥ ናይ ራፋስቂስ ፀርፊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰሚዑ፥ ነቲ ዝተፃረፈ ይቐፅዖ ይኸውን። ንስኻ ኸዓ ምእንቲ እቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍ ፀሎት ግበር።”


ንልቢ ኢየሩሳሌም ተዛረቡ፤ ዝተቘፀረትሉ ወርሓት ከም ዝተፈፀመ፥ መከራኣ ከም ዝተወድአ፥ በደላ ኸም ዝተሓድገላ፥ ስለ ዅሉ ሓጢኣታ ድማ፥ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር፥ ዕፅፊ ኸም ዝተቐበለት ናብኣ ኣውጁ።


ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥ ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”


እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፤ መንሞ ኽርህርሀልኪ እዩ? ጥፍኣትን ዕንወትን፥ ጥሜትን ሰይፍን እዮም፤ ከመይ ገይረ ኸፀናንዐኪ እየ?


“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥ ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥ እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥ ክሃንፀኪ እየ፤ ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።


ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?


ነቶም ሰቦም ዝሞቶም ከፀናንዕዎም ኢሎም እንጀራ ሓዘን ኣይቘርሱሎምን እዮም። ኣቦታቶምን እኖታቶምን ንዝሞትዎም ከፀናንዑ ኢሎም መፀናንዒ ዝኸውን ብዋንጫ ዘስትዮም ኣይህሉን እዩ።


ደም ንፁሃት ድኻታት ኣብ ኢድኪ ተረኺቡ ኣሎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብጋህዲ ረኸብክዎ እምበር ብስውር ደልየ ኣይረኸብክዎን። ብደም እቶም ዝቐተልኪዮም ንፁሃት ድኻታት ተፀዪቑ፤ እንሆ እዝ ዅሉ ጌርኪውን፥


እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን።


ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”


“ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ።


ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤ “እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”


ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤ ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤ ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤ ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥ ክተምፅኣ ኢኻ፤ ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”


ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?


ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደና ዘክር፤ ቈላሕ በል እሞ ንውርደትና ጠምቶ።


ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።


ንህዝቢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣላጊፆምሉን፥ ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፥ እዙይ ብሰንኪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ።


ካብ ኣይሁድ ድማ፥ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከፀናንዕወን፥ ናብ ማርያምን ማርታን መፂኦም ነበሩ።


ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸዓ ተማህለልና፤ እግዚኣብሄር ድማ ቓልና ሰምዐ፤ እቲ ዝተገፋዕናዮን ድኻምናንውን ረአየ።


ግና ፀላእቱ ምእንቲ ከይዕበዩ፦ ነዝ ዅሉ እታ ብርትዕቲ ኢድና ደኣ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣይኮነን ዝገበሮ፥ ከይብሉ፥ ቍጥዓ ፀላእቱ ፈራሕኹ።”


ኣእምሮ እንተ ዝህልዎም ነዙይ መስተውዓሉ ነይሮም፤ መወዳእታኦምውን ምሓሰቡ ነይሮም።


ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡ እዩ፤ ዝጅምሮ ኸዓ፥ በቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዉ እዩ። ብኣና ዝጅምር ካብ ኮነኸ፥ መወዳእታ እቶም ንወንጌል እግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ደኣ፥ እንታይ ክኸውን እዩ?


“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos